ሓበሬታ LearnNoW
Former av norsk
መሳርዓት ኖርወያዊ ቋንቋ
ጽሑፍ ኖርወየኛ
ኖርወይ ከም ልዑላዊት ሃገር እንደገና ምስ ተተኽለት፡ሕቶ ቋንቋ ሽዑ ንሽዑ ክለዓል ጀመረ። እቲ ኣብ'ቲ እዋን ዝንጸባረቕ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ሃገራውነትን ውዕዉዕ ፍቕሪ ሃገረን፡ንምምዕባል ስርዓት ዝሓዘ ጽሑፍ ኖርወየኛ ሓጊዙ። ሓደ ካብ'ቲ ዝሕተት ዝነበረ ሕቶታን ግን 'እቲ ጽሑፍ ቋንቋ ኣብየናይ ዓይነት ዝሩብ ኖርወየኛ ወይ ላሕጃ ይመስረት' ዝብል እዩ ነይሩ። እቲ ክትዓት ኣብ እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ዝተፈላለያ መርገጺታት ዝተመርኰሰ ነበረ።
- ደንማርከኛ ንጠቐም
- ኣብ ኖርወያውያን ላህጃታት ተመርኵስና፡ ሓድሽ ጽሑፍ ቋንቋ ነባዕብ
- ንደንማርከኛ ምስ ኖርወየኛ ነመሳስሎ
እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ፡ ብኣጋኡ ተነጺጉ። እተን ዳሕረዎት ክልተ መርገጺታት ግን፡ ኣብ ግብሪ ውዒለን። እቲ ናይ ገጠር ድሕረ ባይታ ዝነበሮ ምሁር ሰነ ቋንቋን ገጣማይን ዝኾነ ኢቫር ኦሰን (1813-1896)፡ ኣብ ሰፊሕ መጽናዕቲ ገጠራዊ ላህጃ፡ ናይ ምዕራባውን ማእከላይ ክፋል ደቡብ ኖርወይን ተመርኵሱ፡ ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ላንድስሞል (ቋንቋ ገጠር) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ጽሑፍ ቋንቋ ኣማዕቢሉ። ብ1929 ድማ ኒኖሽክ፡ ማለት፡ ሓዲስ ኖርወየኛ፡ ተባሂሉ ዳግማይ ተሰምየ። እዚ ከኣ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ። ላንድስ ሞል፡ ብ1885፡ ወግዓዊ ስርዓት ጽሑፍ ኮነ። ጸኒሑ ንሰሜናዊ ክፋል ዝውክሉ መሳርዓት ዝሩብ ኖርወየኛ ብምጥቕላል፡ ሰረቱ ኣስፍሐ። ኣብ'ቶም ዝስዕቡ 50 ዓመታት ድማ፡ ሰፊሕ ተቐባልነት ረኸበ፤ እንተኾነ ግን፡ ዓብላሊ ቋንቋ ንምዃን ዘኽእሎ ቦታ መዓርግ ፍጹም ኣይረኸበን።
ናይ ሰዋስው ክኢላን ርእሰ መምህርን ዝነበረ ክኑድ ክኑድሰን (1812-1895)፡ ስርዓት ኣጸሓሕፋ ደንማርከኛ፡ ነቲ ዘይወግዓዊ ዓይነት ኣዘራርባ፡ ናይ ደርቢ ምሁራት ኖርወይ ምእንቲ ከንጸባርቕ፡ ንኸመዓራርዮ ሓለነ። ሪክስ ሞል (ሃገራዊ ቋንቋ) ከኣ ካብ ተሓድሶ እሩም ኣጸሓሕፋ ተበጊሱ፡ ብ1970 ከም ወግዓዊ መወከሲ ቆመ። ብ1929 እዚ ዓይነት ጽሑፍ ቋንቋ፡ ቡክሞል (ናይ መጽሓፍ ቋንቋ) ተባሂሉ ተስምየ። ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ዓይነት ናይ ታሕተዎት ድርቢታት ነባሮ ከተማን ገጠርን ዓይነት ኣዘራርባ ንምትእትታው ዝዓለመ ብቀጻሊ ተሓድሶታት እሩም ኣጽሓሕፋ ተገብረሉ።
ኣብ ኒኖሽክን ቡክሞልን ዝርከቡ ዝተወሱኑ ቃልት፡ 'ቀንድን' 'ኣማራጽን' ቅድታት ሒዞም ቀረቡ። በዚ ዓይነት ተጠቀምቲ፡ ምስ ላህጃኦም ዝዳረጉ ቅድታት ንኽመርጹ ዕድል ተዋህቦም። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ብዝሒ ናይ ኣማራጺታት ኣዚዩ እናጸበበ መጺኡ። ግን፡ ኣማራጺ ቅድታት ገና ኣለዉ።
ኣብ ሓደ እዋን፡ ኒኖሽክን ቡክሞልን ኣብ ሓደ ቅዲ፡ ሳም ኖሽክ (ሓባራዊ ኖርወየኛ)፡ ንምውህሃድ ፖለቲካዊ ሽቶ ኮይኑ ነይሩ። እዚ ሓሳብ ግን ኣብ 60ታት ተገዲፉ፤ ኒኖሽክን ቡክሞልን ከኣ ከም ክልተ ርእሶም ንድፍታት ኣጸሓሕፋ ጎኒ ንጎኒ እናማዕበሉ መጺኦም።
ኣብ'ዚ እዋን፡ ካብ 85-90 ሚእታዊ ዝኣክል ህዝቢ፡ ቡክሞል ስለዝጽሕፍ፡ ቡክሞል ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት ሕብረተሰብ ኖርወይ ዓብላሊ ኰይኑ ይርከብ። ተጠቐምቱ ኣብ ኩሉ ክፍልታት እታ ሃገር ይነብሩ። ብመጠኑ'ውን ቡክሞል ከም ዝሩብ ቋንቋ የገልግል እዩ። ግሊኦም ላህጃታት፡ ካብ ንካልኦት ላህጃታት፡ንቡክሞል ይቐርቡ። እዞም ላህጃታት እዚኦም፡ ኦስሎ ዝማእከሉ ኣብ ድቡባዊ ምብራቕ ክፍሊ ኖርወይ ይዝውተሩ።
ኒኖሽክ፡ ክሳብ እቲ ሓደ ሲሶ ዝኸውን ህዝቢ ኖርወይ ዝጥቀመሉ ዝነበሩ እዋን፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ሰፊሕ ዝርጋሐ ነይሩዎ። ድሕሪኡ ግን፡ ተጠቃምነቱ ጐዲሉ፤ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ከኣ፡ ካብ 10-15 ሚእታዊ ዝኣክል ህዝቢ ጥራሕ እዩ ኒኖሽክ ዘዘውትር። ቦታ ቁጽጽር ኑኖሽክ፡ ማእከላይን ምዕራባውን ከፋል ደቡብ ኖርወይ፡ኣብ'ቲ መሳርዓት ላህጃታት ምስ መሳርዓት ጽሑፍ ዳርጋ ዝጋጠመሉ ቦታትት እዩ።
ኣብ መንጎ ኒኖሽክን ቡክሞልን ዘሎ ፍልልያት ዓቢይ ማሕበረ ቋንቋዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብዚ እዋን'ዚ ቡክሞል "[...] መብዛሕቱ ጊዜ ምስ ከተማዊ ባህልን ከተማዊ ኣገባብ መነባብሮን እዩ ኣዛሚድካ ዝርአ። ከምኡ'ውን ኣብ መብዛሕቱ ኣጋጣሚታት፡ቡክሞል ቋንቋ ረክላም፣ ሙዚካ ፖፕ፣ ዘመናዊ ባህሊ (ሞዳ)፣ ምዝንጋዕን ባህሊ መንእሰያትን እዩ። ቋንቋ ሰሙናዊ መጽሔታትን ዓበይቲ ጋዜጣታትን፤ ቋንቋ ናይ ዓለም ንግዲን ተክኖሎጂን እውን እዩ። [...] ኒኖሽክ መብዛሕቱ ጊዜ ምስ ባህልን ሃገራዊ ክብሪ፡ ምስ ኣውራጃውን ገጠራውን ያታ እዩ ዝዛመድ። ኒኖሽክ ምስ እትጽሕፍ፡ መንነትካ ምስ ከተማዊ ኣገባባት ዘይኮነስ፡ ምስ ገጠራዊ ባህሊ ከምዝዛመድን፡ገጠራዊ መበቈልካ ከኣ ንዓኻ ዓቢይ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኰይኑ ከመልክት ይኽእል እዩ (ሞገሩን ሲሞንሰን 2005)። ኒኖሽክ ከም ቋንቋ ተክኖሎጂ፣ ቁጠባን ህቡብ (ፖፕ) ባህሊ መንእሰያትን ትሑት ጽልዋ እዩ ዘለዎኦ። ብኻልእ ወገን፡ ቡክሞል ኣብዞም መዳያት እዚኣቶም፡ ካብ እንግሊዘኛ ብዙሕ ብድሆታት እዩ ዘጋጥሞ።
ኣብ መባእታዊ ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ንቡክሞል ወይ ንኒኖሽክ ከም ዋና ናይ ጽሑፍ ቋንቋኦም ክመርጹ ይኽእሉ። ኣብ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ነቲ ካልኣይ ጽሑፍ ቋንቋ እውን ይመሃርዎ።
ዝሩብ ኖርወያዊ
ኣብዚ እዋን፡ ምጥቃም ላህጃታት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ኖርወያዊ ሕብረተ፤ ኣብ ትምህርቲ፣ ዓውደ ምቅላሕን ሃገራዊ ባይቶን፡ ጽቡቕ ተቓባልነት ደገፍን ረኺቡ ኣሎ። ተመሃሮ መበቆላዊ ላህጃኦም ብነጻነት ክዛረቡ ይኽእሉ። እኳ ደኣ፡ ሕጊ ተግባሬ ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ላህጃኦም ክዛረቡ መሰሎም ከምዝኾነ ይገለጽ። ውሲኹ፡ እቲ ሕጊ፡ ሓደ መምህር " ምጥቃም መቦቆላዊ ቋንቋ ናይ ተመሃሮ፡ ግቡእ ኣድህቡ ክህብን፡ ተመሃሮ መቦቆላዊ ቋንቋኦም ንኽገድፉ ክደፋፍኦም የብሉን" (ያሃር 2007) ኢሉ ይጠቅስ።
"ሽሕ'ኳ ግብራዊ ስርዓት ኣደማምጻ ኖርወያኛ፡ ኣብ ምምዕባል ናይ ክልቲአን ስርዓታት ጽሑፍ ኖርወየኛ መሰረታዊ ተራ ተጻዊቱ እንተኾነ፤ ምህላው ናይ'ዘን ክልተ ተቓጽጸቲ ቋንቋታት፡ ምምስራት ናይ ዘየካትዕ ዝሩብ ስርዓት ቋንቋ ግን ገቲኡ እዩ" (ክሪስቶፈርሰን 2000)። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ወግዓዊ መሳርዕ ዝሩቡ ኖርወየኛ የልቦን። እዚ ኣብ ናይ ሞገሮ (2005) ዘታዊ ሕቶ "ንምንታይ'ዩ ናይ ኦስሎ ኣገባብ ኣዘራርባ ካብ ዝኾነ ካልእ ላህጃ ዝበለጸ ዝኸውን፧ " ተንጸባሪቑ ኣሎ።
ተመሃሮ ኖርወየኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ኣደማምጻ ናይ ሓደ ቃል ንፍላጥ ክውከሱ እንተ ደልዮም፤ እዚ ዓይነት ሓቤረታ ብሓፈሻ ኣብቶም ኣውራ ዝበሃሉ መዝገበ ቃላታ ኣይረኽቡዎን እዮም። መዝገበ ቃላት፡ ሓበሬታ ብዛዕባ እሩም ኣጸሓሕፋ፣ ትርጉምን ሰዋስውኣዊ ትንተናን ጥራሕ እዩ ዘቕርብ። እቲ ቅዲ ኣጐላልሓ ዝሕብር፡ ቀንዲ ናይ ቡክሞል መዝገበ ቃል፡ ቡክሞልስኡርድቡካ (ዋንገንስቲን 2005)፡ እቲ ኣቐሚጡዎ ዘሎ ናይ ምጕላሕ ሓበሬታ፡ ሓፈሻዊ ኣናብባ ቃላት ብቡክሞል ጥራሕ ከም ዝኾነ እዩ ዝእምት፤ እዚ ግን "ጸሓፍቲ ናይ'ዚ መዝገበ ቃል፡ ተጠቐምቲ ካብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ዝተፈልየ ዓይነት ወይ ኣካል ናይ መበቆላዊ ላህጃኦም ዝኾነ ካልእ ኣደማምጻ ንኸየዘውሩ ንምምካር፡ ወይ'ውን ብዝኾነ ኣገባብ ንካልኦት ኣማራጺታት ንምንእኣስ፡ ዝብል ሓሳባት ከምዘይብሎን ይሕብሩ"።
እዚ ግን፡ ቡክሞል ዝዝረበሉ ቦታ ምህላዉ ዝኽሕድ ኣይኮነ። ማእከላይ ምስራቓዊ ክፋል ኖርወይ፡ ዋና ከተማ ኦስሎ እትርከበሉ ቦታ ስለዝኾነ፡ ከም ሕምብርቲ ናይ ኖርውይ እዩ ዝቑጸር። ብሓፈሻ፡ እቲ በቶም ኣብ ምብራቓዊ ወገን ናይ ደቡብ ኖርወይ ዝቕመጡ፡ ኣብ ማእከላይ ድርቢ ዝውዝዑ ደቂ ከተማ፡ ዝዝውተር ዓይነት ኣዘራርባ ፡ ምስ ቡክሞል ኣዝዩ እዩ ዝቐራረብ፤ ሰልዚ ኸኣ፡ ከም ዘይወግዓዊ መወከሲ ናይ ኖርወየኛ ክስመ ይኽእል እዩ። ኣብ ራድዮን ተለቪዥንን ዜና ንምንባብ፤ ማለት ዝተጻሕፈ ቡክሞል ዓው ኢልካ ንምንባብን፡ ኣብ ኖርወየኛ ከም ካልኣይ ቋንቋን ንዓበይቲ ምምሃር ይዝውተር።
መሰረት ዝሩብ ኒኖሽክ ላጃታት ገጠራት ምዕራብ ኖርወይ እዮም። እዞም ላህጃታት እዚኣቶም፡ ንገዛእ ርእሶም ዝተፈላለየ መልክዕ እዮም ዘቑሙ እምበር፤ ንሓደ ላህጃ ከም ናይ ኒኖሽክ ሓባራዊ ረቛሒ ከተለሊ ኣይከኣልን እዩ። ወላ'ኳ ኒኖሽክ ትጽሕፍ ኩን እምበር፤ ኒኖሽክ እየ ዝዛረብ ክትብል ግጕይ እዩ። ዝሩብ ኒኖሽክ ኣብ ምንባብ ዜናን ኣብ ምርኢት መድረኽን ይስማዕ እዩ።
ኖርወያውያን፡ ካብ ሕጻንነቶም ጀሚሮን፡ ንዝተፈላለዩ ቅድታት ኖርወየኛ ስለዝቃልዑ፤ ዝተፈላለዩ ጃህጃታት ንምርዳእ ብዙሕ ጸገም የብሎምን። ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ኣዘራርባ ቡክሞልን ኒኖሽክን ኣይመሃሩን እዮም። ኣብ ንባብ ላህጃዊ ቃና እዩ ዝዝውተር፤ ናይ ቦክሞል ወይ ኒኖሽክ ኣደማምጻ ቃል ኣይክተልን እዩ።
መብዛሕቱ ግዜ፡ ዓበይቲ ናይ'ቲ ዝዓበይሉ ቦታት ላህጃ እዮም ዝዛረቡ፤ ግን ብርግጽ፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ናይ ሕጻንነቶም ላህጃ ብኻልእ ላህጃ ወይ ብኻልእ ኣብ ቡክሞል ዝተመስረት ኣዘራርባ ዝትክኡዎ'ውን ኣለዉ። ከም ሳዕብን ናይ'ዚ፡ ሓደ ኖርወያዊ ፡ ሓደ ሓድሽ ወጻእተኛ (በቲ ኣብ ክፍሊ ንዝተማህሮ ቡክሞል ገይሩ) ሓበሬታ እንተ ደኣ ሓቲቱዎ፡ ላህጃኡ ተጠቒሙ ንኽምልሰሉ ብዙሕ ተኽእሎ ኣሎ። ስርዓት ኣደማምጻ ፣ ረባሕታ ወዘተ. ካብ ቅዲ ቡክሞል ፍጹም ክፍለ ስለዝኽእል፤ ተመሃሮ ኖርወየኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ንዝሩብ ቃላት ብቐሊሉ ናብ'ቲ ዝመሳሰሎ ናይ ቡክሞል ቅዲ ንምቕያር ክጽግሞም ዓብይ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ነቲ ዝተዘርበ ክርድእዎ'ውን ኣይክእሉን እዮም። እዚ ከጋጥም ዝገብሮ ድማ፡ ፍልልያት ኣብ ቃና ኣዘራርባ፣ ኣብ'ቲ ላሕጃ ዝንጸባረቑ ታሪኻውያን መስራሓት፣ ቦታ ኣወዳድቓ ጽቕጦ፣ ዝተፈላለውዩ ናይ ኣዘራርባ ክስተታት፣ ፍልልያት ቃላታትን ወዘተ. ክኸውን ይኽእ።
ኖርወየኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ
መባእታዊ ትምህርቲ ኖርወየኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ዝመሃሩ ዓበይቲ ተመሃሮ፡ መብዛሕቱ ጊዜ ኣብ ክፍሊ፡ ሓደ ሓደ እዋን'ውን ኣብ'ቲ ኒኖሽክ ዝዝረበሉ ከባቢ ከይተረፈ፤ ዝሩብ ቡክሞል እዮም ዝመሃሩ። መብዛሕቱ መምሃሪ መጽሓፍቲ፡ ብቡክሞል ስለዝጸሓፍ፡ መማህራን ላህጃዊ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ፡ ንኣዘራርባኦም ናብ ቡክሞል ከርዕሙዎ ይረኣዩ። ከም ንቡር፡ ናይ ላህጃኦም ቃናዊ ቅድታት ኣይገድፉዎን እዮም። ስለዚ ድማ፡ ዝሩብ ቡክሞል ብዝተፈላለየ መልእዕ እዩ ዝዝውተር። መብዛሕቶም ድማ ካብቲ ኣብ ማእከል ምብራቓዊ ክፋል ኖርወይ ዝዝረብ ዝተፈልዩ እዮም። ተመሃሮ ንዝተፈላለዩ ቅድታት ዝሩብ ቡክሞል ክሰምዑ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን፡ መማህራር ኖርወየኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ እቲ ብሓፈሻ ተራ ኖርወያውያን ዘይክእልዎ፡ ካብ ላህጃ ናብ ዝሩብ ቡክሞል ናይ ምቕያር ክእለት ስለዝውንኑ፤ ተመሃሮ ኖርወየኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ንኣውራጃውያን ፍልልያት ናይ ምርዳእ ክእለት ከማዕብሉ ጊዜን ጻዕርን ክሓቶም እዩ።
ኖርወያውያን ላህጃታት
ኖርወያውያን ላህጃታት ኣብ ጉጅለታት ንምውዛዕ ዝጠቕሙ፡ ዝተፈለለዩ ኣገባባት ኣለዉ፤ እዚ ከኣ፡ ዕምቘትን ዝርዝራውነት ናይ'ቲ እንተናታት እዩ ይውስኖ። ብግዙፍ፡ ምስራቓውን ምዕራባውን ጉጅለ ኢልካ ከተለልዮም ይከኣ። ምስራቓዊ ጉጅለ ኣብ ምብራቓዊ ኖርወየኛን ትሮንደኛን (ትሮንድስክ)፤ ምዕራባዊ ጉጅለ ከኣ ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ክምደቡ ይኽእሉ። ኣብ መንጎ ምስራቓውያንን ምዕራባውያን ላህጃታት ናይ ቃናዊ ቅድታት ፍልልያት ኣለዎም። ምስራቓውያን ላህጃታት ሃሳስ ቃና ኣለዎም፤ እዚ ማለት፡ እቶም ዝጽቀጡ ፊደላት ናይ ሓደ ቃል፡ ሃሳስ ቃና ኣለዎም። ምዕራባውያን ላህጃታት ግን ደሚቕ ቃና ኣለዎም።
ኣብዘን ጉጅለታት ዝምደባ ዓበይቲ ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን፡
ምስራቓዊ | ማእከላይ ምብራቓዊ ኖርወየኛ | Oslo, Hamar, Fredrikstad |
Trøndsk | Trondheim, Steinkjer, Kristiansund | |
ምዕራባዊ | ምዕራባዊ | Bergen, Stavanger, Kristiansand |
ሰሜናዊ | Tromsø, Narvik, Bodø |
ነእዞም ቀንዲ ጉጅለ ላህጃታት ኣብ ደቂቕ ደረጃ ትንተና ኣቲኻ፡ መሊስካ ክትከፋፍሎም ይከኣል እዩ። ዝተፈልየ ናይ ኣደማምጻ ኣመት፣ ቅዲ ቃል፣ ፍሉይ ባህርያት መሳርዕ ምሉእ ሓሳብ፡ እቲ ዝነኣሰ ፍልልይ'ውን እንተኾነ፡ ኖርወያውያን ኣጸቢቖም ዘለልዩዎ ላህጃዊ ፍልልይ ከመልክት ይኽእል እዩ።
Olaf Husby, ጥቅምቲ 2010