Navigation

  • Skip to Content
NTNU Home

LearnNoW-ti

  • ሓበሬታ
    • እንቋዕ ብደሓን መጻእካ/ኪ
    • ሰሌዳ ትሕዝቶ
    • መምርሂ
    • ድሕረ ባይታ
    • ዝጽዓን
  • 1
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 2
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 3
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 4
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 5
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 6
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 7
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 8
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 9
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 10
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 11
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 12
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • ዝርዝር ቃላት
    • ሰለዳ ዝርዝር ቃላት
    • ዝርዝር ቃላት (a - å)
  1. LearnNoW-ti
  2. 9
  3. ስርዓርት ኣደማምጻ

Språkvelger

9 ስርዓት ኣደማምጻ LearnNoW

×
  • Alex
  • Ben
  • Cecilie
  • Dina
  • ሰዋስው
  • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • CALST
  • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
  • ልምምዳት
  • ዝርዝር ቃላት
  • ወሰኽ
MENU

9 Uttale

9 ስርዓት ኣደማምጻ

ዝተተሓሓዘ ዘረባ

ስርዓት ኣደማምጻ ኖርወየኛ፡ ኣብ ድሃያት ኣዘራርብኡ፣ ሓጸርቲ ኣድመጽቲ፣ ምጕላሕን ኣቀናንያኡን ተመርኩስካ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካልኦት ዝገልጽዎ ጠባያት እውን ኣለዉዎ ። ሓደ መሊኽካ ክጽናዕ ዘለዎ ጕዳይ፡ ዝተተሓሓዘ ዘረባ ከመይ ግይርካ ከም እተውስእ እዩ። ኣብ ኖርወየኛ፡ ሓደ ቃል ምስ'ቲ ቅድሚኡ ዘሎን ምስ'ቲ ዝስዕቦን ኣተሓሒዝካ ምውሳእ ኣዝዩ ልሙድ እዩ። እዚ ናይ ቃላት ምትሕሓዝ'ዚ ብኸም'ዚ ዝስዕብ ክበርህ ይከኣል፡

Han snakker engelsk.  Han-snakker-engelsk. 

እዚ ምሉእ ሓረግ እዚ፡ ከም ተቐጻጺሉ ዝተኣሳሳረ ናይ ድምጺ ስንሰለት ኰይኑ እዩ ዝስማዕ (ድሙቓት ፊደላት፡ ዝጐልሑ ጥምሮ ድምጽታት ይስምዕ።

Hansnakkerengelsk. 

 

Hun er ikke engelsk.  Hun-er-ikke-engelsk. 

እዚ ምሉእ ሓረግ እዚ፡ ከም ተቐጻጺሉ ዝተኣሳሳረ ናይ ድምጺ ስንሰለት ኰይኑ እዩ ዝስማዕ

Hunerikkeengelsk. 

ገሊኦም ቋንቋታት፡ ንኣብነት ኣብ ጀርመነኛ፡ ብኸም'ዚ ኣገባብ ቃላት ኣይተሓሓዙን እዮም። ሓደ ቃላ ብኣድመጽቲ እንተ ደኣ ጀሚሩ፡ ዓጻው ጎሮሮ (glottal stop) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድምጺ (ብፊድል ዓለምለኻዊ ሰነ ኣደማምጻ IPA <ʔ> ዝምልክቱ ድምጺ) ይኣትዎ።

Hun er ikke engelsk.  Hun ʔer ʔikke ʔengelsk. 

እዚ ኣገባብ ኣብ ኖርወየኛ እንተ ድኣ ተጠቒምናሉ፡ ነቲ እንጽበዮ ብቕዓት ዋሕዚ ዘረባ ዘበላሹ፡ ብዙሓት ሓጸርቲ ምቑራጻት ከስዕብ ይኽእ።

ካልኦት ቋንቋታት፡ ከም ስፓነኛ ዝኣመሰሉ፡ ብ /s/ ዝጅምሩ ቃላት፡ ቀጺሎም ተደምጽቲ ከም በዓል ( /p, t, k/) ክእንግዱ ኣየፍቅዱን እዮም። ኣብ ስፓነኛ፡ እቲ /s/ + ተደመጽቲ ዝሓዘ ተከታታሊ ድምጺ፡ ብኣድማጺ /e/ ክጅምር ኣለዎ። እዚ ኣብ ኖርወየኛ እንተ ደኣ ተኣታትዩ፡ ዘይልሙዳት ሓደሽቲ ጥምሮ ድምጽታት ፈጢሩ፡ ነቲ እንጽበዮ ብቕዓት ዋሕዚ ዘረባ የበላሽዎ።

ኖርወየኛ እንግሊዘኛ ስፓነኛ
Spania  ስፐይን España 
student  ተመሃራይ estudiante 
skole  ቤት ትምህርቲ escuela 

ካልኦት ቋንቋታት፡ ንኣብነት ፋርሲ፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ክልተ ተርእዮታት ይጠምር። ኣብ'ዚ ቋንቋ'ዚ፡ እቲ /s/+ ተደማጺ ዝሓዘ ተኸታታሊ ድምጺ፡ ብኣድማጺ ክጅምር ኣለዎ፤ እቲ ኣድማጺ ከኣ ብወገኑ፡ ብዓጻው ጎሮሮ ክጅምር ኣለዎ።

ኖርወየኛ እንግሊዘኛ ፋርሳዊ ኣደማምጻ ኖርውየኛ
spa  ስፓ ʔespa 
student  ተመሃራይ ʔestudent 
skole  ቤት ትምህርቲ ʔeskole 

ብዛዕባ ኖርወየኛ ክንዛረብ ከለና፡ ነቲ ቀዲምና ጠቒስናዮ ዝነበርና፡ ምስ /r/ + /t, d, n, l, s/ ዝዛመድ ተርእዮ እዋን ከንስተውዕለሉ ይግብኣና። ሓደ ብ/r/ ዝዛዘም ቃል፡ ካልእ ብ/t, d, n, l, s/ ዝጅምር እንተ ደኣ ስዒቡዎ፡ እዞም ድምጽታት ተወሃሂዶም / ʈ , ɖ , ɳ , ɭ , ʃ / ይዀኑ።

ተኸታተልቲ ፊደላት ኣድማምጻ ተኸታተልቲ ፊደላ
<rt> ከም ኣብ «er to»  ክልተ እዩ /r/ + /t/   →  /ʈ/   →  /æ'ʈuː/ 
<rd> ከም ኣብ «er det»  ዶ'ዩ /r/ + /d/   →  /ɖ/   →  /æ'ɖeː/ 
<rn> ከም ኣብ «er ny»  ሓድሽ እዩ /r/ + /n/   →  /ɳ/   →  /æ'ɳyː/ 
<rl> ከም ኣብ «er litt»  ንእሽቶ እዩ /r/ + /l/   →  /ɭ/   →  /æ'ɭit/ 
<rs> ከም ኣብ «er syk»  ሕሙም እዩ /r/ + /s/   →  /ʃ/   →  /æ'ʃyːk/ 

እዚ ክስተት እዚ፡ ቃላት ነንሕድሕዶም ንኽተኣሳሰሩ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ይገብር።

Editorial responsibility | Use of cookies | Privacy policy
Sign In