Navigasjon

  • Hopp til innhold
NTNU Hjemmeside

LearnNoW-ti

  • ሓበሬታ
    • እንቋዕ ብደሓን መጻእካ/ኪ
    • ሰሌዳ ትሕዝቶ
    • መምርሂ
    • ድሕረ ባይታ
    • ዝጽዓን
  • 1
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 2
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 3
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 4
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 5
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 6
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 7
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 8
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 9
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 10
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 11
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 12
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • ዝርዝር ቃላት
    • ሰለዳ ዝርዝር ቃላት
    • ዝርዝር ቃላት (a - å)
  1. LearnNoW-ti
  2. 10
  3. ሰዋስው

Språkvelger

10 ሰዋስው LearnNoW

×
  • Alex
  • Ben
  • Cecilie
  • Dina
  • ሰዋስው
  • ስርዓርት ኣደማምጻ
  • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
  • ልምምዳት
  • ዝርዝር ቃላት
  • ወሰኽ
MENY

10 Grammatikk

10 ሰዋስው


ክንዲ ኣስማት

ዋንነታውያን ክንደ ኣስማት

sin - si - sitt - sine

ኣብ ምዕራፍ 9 ዝተፈላለዩ ረባሕታ ዋንነታውያን ክንዲ ኣስማት - min (ናተይ), din (ናትካ፣ ናትኪ) and vår (ናትና) and hans (ናቱ), hennes (ናታ) and deres (ናትኩም/ናትክን/ናታትኩም/ናታትክን + ናተን/ናተን/ናታቶም/ናታተን) ርእይና ነይርና።

ግናኸ፡ ንጽልን ብዙሕን ረባሕታ ናይ ሳልሳይ ኣካል ፡ ተንጸባራቒ ዋንነታዊ ክንደ ስም sin ኣለዎ። በዓል ቤት ናይ'ቲ ቀንዲ ሓረግ ወናኒ ናይ'ቲ ተሳሓቢ ምስ ዝኸውን፡ ተንጸባራቒ ዋንነታዊ ክንደ ስም ንጥቀም፤ ወናኒ በዓል ቤት ምስዘይኸውን ግን ተራ ዋንነታዊ ክንዲ ስም ንጥቀም፡

Sissel ringer tannlegen sin.
ሲሰል ንሓኪማ (ናይ ባዕላ፣ ገዛእ ርእሳ) ትድውለሉ።
 → 
 
Sissels tannlege
 
Sissel ringer tannlegen hennes.
ሲሰል ንሓኪማ (ናይ ካልእ ሰብ ሓኪም) ደዊላትሉ።
 →
 
Cecilies tannlege 
 


ተንጸባራቒ ዋንነታዊ ክንዲ ስም፡ ብጾታን ቁጽርን ምስ እቲ ዝውነን ነገር ይሰማማዕ። sin ምስ ንጽል ተባሕታይ፣ si ምስ ንጽል ኣንስታይ፣ sitt ምስ ንጽል ኣጕል፣ sine ኸኣ ምስ ብዙሕ ረባሕታ ይዝውተሩ።

ወናኒ ተባዕታይ ኣንስታይ ኣጕል ብዙሕ
ኣነ faren min
ኣቦይ
mora mi
ኣደይ
huset mitt
ገዛይ
bøkene mine
መጽሓፍተይ
ንስኻ/ኺ faren din
ኣቦኻ/ኺ
mora di
ኣደኻ/ኺ
huset ditt
ገዛኻ/ኺ
bøkene dine
መጽሓፍትኻ/ኺ
ንሱ faren hans
ኣቦኡ
faren sin
(ናይ ገዛእ ርእሱ) ኣቦኡ
mora hans
ኣዲኡ
mora si
(ናይ ገዛእ ርእሱ) ኣዲኡ
huset hans
ገዝኡ
huset sitt
(ናይ ገዛእ ርእሱ) ገዝኡ
bøkene hans
መጽሓፍቱ
bøkene sine
(ናይ ገዛእ ርእሱ) መጽሓፍቱ
ንሳ faren hennes
ኣቦኣ
faren sin
(ናይ ገዛእ ርእሳ) ኣቦኣ
mora hennes
ኣዲኣ
mora si
(ናይ ገዛእ ርእሳ) ኣዲኣ
huset hennes
ገዝኣ
huset sitt
(ናይ ገዛእ ርእሳ) ገዝኣ
bøkene hennes
መጽሓፍታ
bøkene sine
(ናይ ገዛእ ርእሳ) መጽሓፍታ
ንሕና faren vår
ኣቦና
mora vår
ኣደና
huset vårt
ገዛና
bøkene våre
መጽሓፍትና
ንስኻትኩም/ንስኹም/ንስኻትካን/ንስኽን faren deres
ኣቦኹም/ኣቦታትኩም/ኣቦኽን/ኣቦታትክን
mora deres
ኣደኹም/ኣደታትኩም/ኣደኽን/ኣደታትክን
huset deres
ገዛኹም/ገዛኻትኩም/ገዛኽን/ ገዛኻትክን
bøkene deres
መጽሓፍትኩም/መጽሓፍትኹም/መጽሓፍትታኩም/መጽሓፍትታትክን
ንሳቶም/ንሳተን faren deres
ኣቦኦም/ኣቦአን
faren sin
(ናይ ገዛእ ርእሶም) ኣቦኦም/ኣቦአን
mora deres
ኣደኦም/ኣደአን
mora si
(ናይ ገዛእ ርእሶም) ኣዲኦም/ኣዲአን
huset deres
ገዝኦም/ገዝአን
huset sitt
(ናይ ገዛእ ርእሶም) ገዝኦም/ገዝአን
bøkene deres
መጽሓፍቶም/መጽሓተን
bøkene sine
(ናይ ገዛእ ርእሶም) መጽሓፍቶም/መጽሓፍተን


ተወሰኸቲ ኣብነታት፡

Sissel kikker inn i munnen sin.
ሲስሰል ውሽጢ ኣፋ (ናይ ባዕላ) ትርእይ ኣላ። 
 → 
 
Sissels munn 
 
Sissel kikker inn i munnen hennes.
ሲስሰል ውሽጢ ኣፋ ትርእይ ኣላ። 
 → 
 
Cecilies munn 
 
Sissel sitter ved skrivebordet sitt.
ሲስሰል ኣብ ጣውልኣ (ናይ ባዕላ) ኮፍ ትብል። 
 → 
 
Sissels skrivebord 
 
Sissel har vondt i tanna si.
ሲስሰል ስና (ናይ ባዕላ) የቕንዝዋ ኣሎ።
 → 
 
Sissels tann 
 
Sissel peker på en av tennene sine.
ሲስሰል ኣብ ሓደ ካብ ኣስናና (ናይ ባዕላ) ተመልክት ኣላ።
 → 
 
Sissels tenner 
 


sin - si - sitt - sine ከም በዓል ቤት ከግልግል ከም ዘይኽእል ኣስተውዕል፡

በዓል ቤት  
Tannlegen hennes kan hjelpe henne.  ሓኪማ ክሕግዛ ይኽእል እዩ።
ግን  
በዓል ቤት                ተሰሓቢ   
Hun får hjelp av tannlegen sin.  ንሳ ካብ ሓኪማ ሓገዝ ትረክብ እያ።

ቅጽላት

መነጻጸርቲ

እቲ ዋና ናይ ምንጽጻር ቅዲ ከም'ዚ ዝስዕብ ይመስል፡

ኣወንታዊ ኣነጻጻሪ + enn (ካብ) ብሉጽ  
fin  finere  finest   ጽቡቕ - ይጽብቕ - ዝጸበቐ
kald  kaldere  kaldest   ቆራሪ - ይቖርር - ዝቖረረ
varm  varmere   varmest   ምዉቕ - ይመዉቕ - ዝሞቖ


ኣብነት፡

Vinteren er kald i Fjordvik.  ኣብ ፊዮርቪክ ክረምቲ ቆራሪ/ቁሪ እዩ።
Vinteren er kaldere i Fjordvik enn i Paris.  ክረምቲ ኣብ ፊዩርቪክ ይቖርር ካብ ኣብ ፓሪስ።
Vinteren er kaldest i Sibir.  ኣብ ስርቢያ ክረምቲ እቲ ዝቖረረ እዩ።


ሕድገታት

1) -(l)ig ን -som ዝዛዘሙ ቅጽላት፡ ኣብ ብሉጽ ቅዲ -st ጥራሕ ይጠብቆም፡

ኣወንታዊ መነጻጸሪ + enn (ካብ) ብሉጽ  
billig  billigere  billigst  ሕሱር
hyggelig  hyggeligere  hyggeligst  ጽቡቕ፣ ልዙብ
morsom  morsommere  morsomst   መገረም፣ መስሓቕ


2) ኣብ ብ-el ፣ -en ን -er ን ዝዛዘሙ ቅጽላት፡ -e ኣብ ቅዲ መነጻጸርን ብሉጽን ይሕደግ እዩ።

ኣወንታዊ መነጻጸሪ + enn (ካብ) ብሉጽ  
travel  travlere  travlest  ትሑዝ፣ ስራሕ ዝጸዓቆ
moden  modnere  modnest  ብጹሕ፣ ብሱል
vakker  vakrere  vakrest  መልክዐኛ


3) ብዙሓት ብ -sk ዝዛዘሙ ቅጽላት፡ ከምኡ'ውን ብ -e ዝዛዘሙ ቅጽላት፡ mer ን (ይበልጽ) mest ን (ዝበለጸ) ብምጥቃም ይነጻጸሩ።

ካብ ፍጹም ህሉው ረባሕታ ዘለዎም ግስታት ዝምስረቱ ቅጽላትን (ኣንብነት፡ ፍሉጥ)፡ ብዙሓት ነዋሕቲን ባዕዳውያን ቃላትን እውን በዚ ኣገባብ ይነጻጸሩ፡

ኣወንታዊ መነጻጸሪ + enn (ካብ) ብሉጽ  
praktisk  mer praktisk  mest praktisk  ግብራዊ
moderne  mer moderne  mest moderne  ዘመናዊ
berømt  mer berømt  mest berømt  ህቡብ
interessant  mer interessant  mest interessant  ኣገዳሲ
absurd  mer absurd  mest absurd  ዘርድኣካ፣ ትርጕም ኣልቦ


ዘይሕጋውያን መነጻጸሪን ብሉጽን

ኣወንታዊ መነጻጸሪ + enn (ካብ) ብሉጽ  
gammel  eldre  eldst  ኣረጊት
god/bra  bedre  best  ጽቡቕ፣ ድሓን
ille  verre  verst  ሕማቕ
lang  lengre  lengst  ነዊሕ
liten  mindre  minst  ንእሽቶ
stor  større  størst  ዓቢይ
tung  tyngre  tyngst  ከቢድ
ung  yngre  yngst  ንእሽቶ
mange  flere  flest  ብዙሓት
mye  mer  mest  ዝያዳ


ኣብነት፡

Cecilie er ung.
ሰሲልየ ንእሽቶ እያ።
Dina er yngre enn Cecilie.
ዲና ካብ ሰሲልየ ትንእሽ።
Alex er yngst.
ኣለክስ እቲ ዝነኣሸ እዩ።


ነዚ ዝስዕብ ኣስተውዕለሉ፡

1) መንጻጸሪ ቅዲ፡ ኣይቅየርን እዩ። ናይ ስም ጾታ ኮነ ቁጽሪ (ንጽል፣ ብዙሕ) ኣይጸልዎን እዩ።

Dina er yngre enn Cecilie. 
Alex er yngre enn Dina. 
Alex og Dina er yngre enn Cecilie. 


2) ብሉጽ ቅዲ ቅድሚ ውሱን ስም ክቕመጥ ከሎ፡ እቶም ቅጽላት ብ -e ይዛዘሙ። ብተወሳኺ፡ እዞም ብጾታን ቁጽርን ምስ ስም ዝሰማምዑ ውሱን ቅዲ ዘለዎም መመልከቲ ክንዲ ኣስማት den፣ det ን de ን ክህልዉ ኣለዎም። (ቅጽላት፣ ድርብ ውሱን መሳርዕ ዝሓዙ ቅድታት ኣብ ምዕራፍ 8 ተመልከት)፥

den yngste jenta
እታ ዝነኣሰት ጓል
det fineste huset
እታ ዝጸበቐት ገዛ
de beste bøkene
እቲ ዝበለጸት መጽሓፍ


3) ብሉጽ ቅዲ፡ ኣብ ቦታ ትንቢታዊ ገላጺ ድሕሪ å være (ከወን፣ ኮነ) ዝኣመሰሉ ግስታት ክሰፍር ከሎ፡ ውሱን ወይ ዘይውሱን ቅዲ ናይ'ቲ ብሉጽ ቅጽል ክንጥቀም ንኽእል።

Alex er yngst i familien. Alex er den yngste i familien.
ኣለክስ ካብ ስድራ ቤቱ (እቲ) ዝነኣሰ እዩ።


4) ክልተ ነገራት ከነወዳድር ከለና፡ መነጻጻሪ ቅዲ ንጥቀም፡

Hvem er eldst/den eldste, Dina eller Alex?
መን'ዩ ዝዓበየ፡ ዲና ድያ ኣለክስ?
Hvilken jakke er billigst/den billigste, den røde eller den svarte?
ኣየናይ ጃከት'ይ ዝሓሰረ፡ እቲ ቀይሕ ድዩ ወይስ እቲ ጸሊም?
Hvilken by er størst/den største, Trondheim eller Oslo?
ኣየነይቲ ከተማ'ያ ዝዓበየት፡ ትሮንሀይም ድያ ውይስ ኦስሎ?

ተውሳኸ ግስታት

ተሳኸ ግሲ፡ ንግሲ ክገልጽ ከሎ፤ ቅጽል ንስም ወይ ንክንዲ ስም ይገልጽ። ተውሳኸ ግስ፡ ካብ ኣጕል ቅዲ ናይ ቅጽል ይምረት፡

Alex puster tungt.  ኣለክስ ኣኽቢዱ የተንፍ።
Alex snakker høyt.  ኣለክስ ዓው ኢሉ ይዛረብ።

መስተዋድዳት

ናይ ግዜ ኣበሃህላታት

መብዛሕቱ ጊዜ ናይ ግዜ ኣበሃህላታት፡ ካብ መስተዋድዳት እዮም ዝምስረቱ። ኣብ ታሕቲ ገለ ካብዞም ኣበሃህላታት እዚኣቶም ቀሪቦሙልካ ኣለዉ፡

መስተዋድድ i ኣብ'ዚ ዝስዕብ ኩነት ንጥቀመሉ፡

ሀ) ኣብ ቅድሚ ንግዜ ዝመልከቱ ኣበሃህላታት ከም ዓመታት፣ ኣዋርሕ፣ በዓላት ወዘተ፡

i 2009, i oktober, i jula (ኣብ እዋን ልደት)
(i) neste uke (ዝመጽእ ሰሙን), i kveld (ሎሚ ምሸት), i morgen (ጽባሕ)


ለ) ኣብ ቅድሚ ወቕትታት፤ እቲ ዝጥቀስ ወቕቲ ሓደ ውሱን ወቕቲ እዩ፤ ናይ ግሲ ግዜ ከኣ እቲ ዝተጠቕሰ ወቕቲ ህልዉ፣ መጻኢ ወይ ሕሉፍ ምኻኑ የመልክት። ምስ'ዚ ናይ ስም ዘይውሱን ቅዲ ረባሕታ ከም እንጥቀም'ውን ኣስተውዕል።

Ben går på norskkurs i høst.  በን እዚ ቀውዒ እዚ ኖርወየኛ እመሃር ኣሎ።
Ken skal studere psykologi i høst.  ከን እዚ ቀውዒ እዚ ሳይኮሎጂ ክመሃር እዩ።
I høst dro studentene på hyttetur.  እዚ ቀውዒ እቶም ተመሃሮ ናይ ጎጆ ዙረት ከይዶም ነይሮም።


ሐ) ኣብ ቅድሚ ክፍልታት ጊዜ፡

Anna har bodd i Norge i tre måneder.  ኣንና ኣብ ኖርወይ ሰለስተ ወርሒ ተቐሚጣ ኣላ።
Hun skal være her i to år.  ንክልተ ዓመት ኣብ'ዚ ዓዲ ክትጸንሕ እያ።


መስተዋድድ om ኣብ'ዚ ዝስዕብ ኩነት ንጥቀመሉ፡

ሀ) ኣብ ቅድሚ ዝደጋገም ናይ ጊዜ ኣበሃህላን ወቕትን ንጥቀመሉ። ነቲ ናይ ስም ውሱን ቅዲ ኣስተዕለሉ፡

Ola liker å bade om sommeren.  ኡላ ኣብ ክረምቲ ምሕንባስ ምኻድ እፈቱው።
Om kvelden ser Ken på TV.  ከን ምሸት ተለቪሽን ምርኣይ እፈቱ።


ለ) ትንቢታዊ/መጻኢ ጊዜ ንምግላጽ

De skal reise på tur om to dager.  ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ንመገሻ ክኸዱ እዮም።
Kurset begynner om 15 minutter.  እቲ ዓውደ ትምህርቲ ድሕሪ 15 ደቓይቕ ክጅምር እዩ።


For _ siden

እዚ ዝተኸፍለ መስተዋድድ for _ siden ንውሓት ዝሓለፈ ጊዜ ይገልጽ፡

De flyttet hit for tre måneder siden.  ሰለስተ ወርሒ ይገብር ናብ'ዚ ግዒዞም።


መስተዋድድ på

ምስ ምዓልታት ናይ ስሙን på ንጥቀም፡

Bussen drar klokka 16.00 på søndag.  ኣውቶቡስ ኣብ ሰናብቲ ሰዓት 4 እያ ትነቅል።
Maria er på Dragvoll på fredager.  ማሪያ ዓርቢ ዓርቢ ኣብ ድራግቮል እያ እትርከብ።

SYNES – TRO – TENKE

ግስታት synes፣ troን tenkeን ኩሉም «ምምሳል» ወይ «ምሕሳብ» እዮም ዘስምዑ፡ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ኩነት ኢና እንጥቀመሎም።

ባዕላዊ ሓሳብ ንምግላጽ synes ንጥቀም። ኣብ ትግርኛ ''ኰይኑ ረኺቡዎ'' ዝብል ትርጉም እውን ይህብ።

Hun synes at det er interessant.  ኣገዳሲ እዩ ኢላ ትሓስብ።/ ወይ ኣገዳሲ ኰይኑ ረኺባቶ።


Synes ኣብ ኩሉ ረባሕታኡ ብ -s ከምዝውድእ ኣስተውዕል፡ å synes – synes – syntes – har syntes። ኣብ ምዕራፍ 12 ነዚ ዝመስሉ ካልኦት ግስታት ክትረክብ ኢኻ።

ብዛዕባ እቲ ከተቕርቦ እትደሊ መርትዕ ወይ ጭብጢ ዘይትተኣማመን እንተ ኰንካ፡ tro ትጥቀም። ኣብ ትግርኛ «ይመስለኒ» የስምዕ፡

Jeg tror at London er større enn Oslo.  ሎንደን ካብ ኦስሎ ዝዓበይ ይመስለኒ።


Tenke ንናይ ኣምሮና መስርሕ ምሕሳብ የመልክት፡

Alex tenker på katten.  ኣለክስ ብዛዕባ እታ ድሙ ይሓስብ ኣሎ።
Ansvarlig redaktør | Bruk av informasjonskapsler | Personvern
Logg inn