7 ስርዓት ኣደማምጻ LearnNoW
7 Uttale
7 ስርዓት ኣደማምጻ
ንድሕሪት ተቓላሕቲ ድምጽታት
ኖርወየኛ ብምቅንባር ፊደላት ዝቖሙ ድምጽታት ዘረባ ይርከቡዎ። ኣብ'ዚ ሓደ ሓሙሽተ ድምጽታት ዝሓዘ ጉጅለ፡ ጫፍ መልሓስ ንላዕሊ ኣቢልካ ብምዑኽላል ቁሩብ'ውን ንድሕሪት ብምባል ዝድመጹ ክንርእይ ኢና። ታሕተዋይ ክፋል ጫፍ መልሓስ፡ ነቲ ብድሕሪ ላዕለዋይ ኣስናን ዝርከብ ትንሓግ ይትንክፍ። መልሓስ ንልስሉስ ግምገም ትንሓግ፤ ማለት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ስኒን ተሪር ትንሓግን ዘለ ገምገም ክትንክፍ ከሎ፡ ንድሕሪት ተቓላሕቲ (ብ"postalveolar" እዋን ዝፍለጡ) ድምጽታት ይኽሰቱ። ብሓፈሻ እዞም ድምጽታት እዚኣቶም፡ ንፊደል
ተኸታተልቲ ፊደላት | ኣደማምጻ ተኸታተልቲ ፊደላት | |||
---|---|---|---|---|
<rt> ከም ኣብ «fort» | ቅልጡፍ | /r/ + /t/ | → | /ʈ/ |
<rd> ከም ኣብ «ferdig» | ተወድአ | /r/ + /d/ | → | /ɖ/ |
<rn> ከም ኣብ «barn» | ቆልዑት | /r/ + /n/ | → | /ɳ/ |
<rl> ከም ኣብ «farlig» | ሓደገኛ | /r/ + /l/ | → | /ɭ/ |
<rs> ከም ኣብ «mars» | መጋቢት | /r/ + /s/ | → | /ʃ/ |
እዞም ኣብ ላዕሊ ተዋሂቦም ዘለዉ ኣብነታት፡ ኣብ ውሽቲ ቃላት ዝኽሰቱ ድምጽታት እዮም ዘርእዩ። /r/ ናይ ሓደ ቃል ናይ መወዳእታ ድምጺ ክኸውን ከሎ፡/t, d, n, l, s/ ከኣ ናይ'ቲ ዝስዕብ ቃል ናይ መጀመርያ ድምጺ ክኸውን ከሎ ተመሳሳሊ ተርእዮ ንዕዘብ። እዞም ክልተ ድምጽታት ብሓንሳብ ተወሃሂዶም፡ ካልእ ሓድሽ ድምጺ ይፈጥሩ።
እዚ ክልተ ድምጽታት ኣብ ሓደ ናይ ምጽንባር መስርሕ፡ ውህደት ተባሂሉ ይፍለጥ።
/ t, d, n, l, s / | / ʈ , ɖ , ɳ , ɭ , ʃ / | ||||
---|---|---|---|---|---|
må ta | /mo 1tɑ:/ | ክወስድ ኣሎዎ | har tatt | /hɑ 1ʈɑt/ | ወሲዱ ኣሎ |
må dra | /mo 1drɑ:/ | ክኸይድ ኣሎዎ | har dratt | /hɑ 1ɖrɑt/ | ከይዱ ኣሎ |
må nå | /mo 1no:/ | ከበጽሕ ኣሎዎ | har nådd | /hɑ 1ɳod/ | በጺሑ ኣሎ |
må lese | /mo 2le:se/ | ከንብብ ኣሎዎ | har lest | /hɑ 1ɭe:st/ | ኣንቢቡ ኣሎ |
må se | /mo 1se:/ | ክርእይ ኣሎዎ | har sett | /hɑ 1ʃet/ | ርእዩ ኣሎ |
ከም ተዛራቢ ናይ ኖርወየኛ መጠን፡ ንድምጺ /r/ ኣዘውቲርካ ትሰምዖ ኢኻ፤ ንኣብነት ህልው ጊዜ ንምምልካብ ኣብ መወዳእታ ግስታት ክርከብ ከሎ፡ ከም ኣብ "leser, snakker, skriver, spiser"። ካብ'ዚ ኣብ ላዕሊ ተዋሂቡ ዘሎ ትንታነ፡እቲ ዝስዕብ ቃል ብሒቱ ብ/t, d, n, l, s/ እንተ ዝጅምር፡ እቲ ንህልው ጊዜ ዘመልክት ድምጺ-r ኣይምሃለወን ይነሩ። እዚ ኸኣ፡ እቲ እንኮ ምልክት ናይ ህልው ጊዜ፡ ንድሕሪት ተንጸባራቒ ድምጺ ምዃኑ እዩ ዘስምዕ። ሰለዚ ከኣ፡ ሰማዒ ንድምጺ /ʈ , ɖ , ɳ , ɭ , ʃ/ ከም /r/+/t/, /r/+/d/ ገይሩ ክትርጕሞ ኣለዎ።
ብዙሕ ዘይውሱን ረባሕታ ናይ ኣስማት እውን ብ -r ("jenter, gutter, biler, busser") ስለዝውድ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክስተት ኣብ'ዚ እውን ተግባራዊ ይኸውን።