6 ስርዓት ኣደማምጻ LearnNoW
6 Uttale
6 ስርዓት ኣደማምጻ
ስርዓት ቅኒት ኖርወየኛ
ኣብ ኖርወይ ብርክት ዝበሉ ብዙሕ ፍልልያት ዘለዎም ላህጃታት ይርከቡ። ናይ ኣደማምጻ ፍልልያቶም ምስ ብዝሒ ፊደላት ተደመጽትን ቃናኦም እዩ ዝተሓሓዝ።
ወግዓዊ ዝሩብ ኖርወየኛ የለን። ኣብ ምምሃር ኖርወየኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ንዝሩብ ኖርወየኛ ናብ ስርዓት ኣጸሓሕፋ ቡክሞል ኣቀራሪብካ ምጥቃም ግን ልሙድ እዩ። መማህራን መብዛሕቱ ግዜ፡ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ዝርርቦም ዘዘውትሩዎ ቃና፡ ማለት ናይ ላህጃኦም ላዛ፡ ገይሮም እዮም ንቡክሞል ዘድምጽዎ።
እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ትንተና፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ ስርዓት ቅኒት ኖርወየኛ እዩ።
ነዋሕቲ ዶ ሓጸርቲ ኣድመጽቲ
ኖርወያውያን ኣድመጽቲ ሓጸርቲ ወይ ነዋሕቲ ክኾኑ ይኽእሉ፤
< vin > | /'viːn/ | ነቢት |
< vinn > | /'vin/ | ምዕዋት |
< vind > | /'vin/ | ንፋስ |
< vink > | /'viŋk/ | ብኢድካ ምልክት ምግባር፣ ኣንፈት ምሃብ |
ብሓፈሻ፡ ምንዋሕ ኣደማምጻኦም ካብ ኣገባብ ኣጸሓሕፋኦም እፍለጥ እዩ። ንሓደ ኣድማጺ ሓደ ተደማጺ ጥራሕ እንተ ተኸቲሉዎ፡ እቲ ኣድማጺ ነዊሕ ይኸውን፤ ድርብ ወይ ርቡባት ተደመጽቲ እንተ ደኣ ተኸቲሎሞ ግን ሓጺር ይኸውን። ኣብ'ዚ ኣብ ላዕሊ ተዋሂቡ ዘሎ ኣብነታት፡ ምንዋሕ ተደማጺ ብጽሕፈት ኣደማምጻ፡ ብክልተ ነጥቡ < ː > ተመልኪቱ ኣሎ።
ጕልሓት
ብሓፈሻ፡ ኣብ ቃላት ኖርወየኛ እቲ ቀዳማይ ጥምሮ ድምጺ ዝጐልሐ እዩ። ኣብ ጽሕፈት ኣደማምጻ፡ ጉልሓት ብጨረት < ' > እዩ ዝምልከት።
< Norge > | /'norge/ | ኖርወይ |
< spise > | /'spiːse/ | ምብላዕ |
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ቃላት ለቓሕ ቅዲ ጕልሓት ክፈላለይ ይኽእል እዩ። ኣብ ቀዳምይ፣ ኣብ ካልኣይ፣ ኣብ ቀድመ ጭራ ወይ ኣብ ጭራ ጥርሮ ድምጺ ዝጐልሑ ቃላት ክትረክብ ኢኻ።
< telle > | /'tele/ | ምቑጻር |
< fortelle > | /fo'ʈele/ | ምንጋር |
< studere > | /stʉ'deːre/ | ምጽናዕ |
< student > | /stʉ'dent/ | ተመሃራይ |
ኣብ ናይ ለቛሕ ቃላት ጕልሓት ኣበይ ከም ከምዝወድቕ ዝሕብሩ ገለ ሕግጋት ኣለዉ።
ኣብቶም ብ -ere ዝውድኡ ቃላት፡ ጕልሓት ኣብ ቅድመ ጭራ ዝርከብ ጥምሮ ድምጺ እዩ ዝወድቕ።
<studere> | /stʉ'deːre/ | ምምሃር፣ ምጽናዕ |
<spandere> | /spɑn'deːre/ | ምግባዝ |
<repetere> | /repe'teːre/ | ምድጋም |
ኣብቶም ብ -ent ዝውድኡ ኣስማት፡ ጕልሓት ኣብ ጭራ ዝርከብ ጥምሮ ድምጺ እዩ ዝወድቕ፤
<student> | /stʉ'dent/ | ተመሃራይ |
<produsent> | /prudʉ'sent/ | ኣምራቲ |
<prosent> | /pru'sent/ | ሚእታዊ |
ኣብ ጥምረት ኣስማት፡ እቶም ዘቑሙዎ ክልተ ቃላት፡ እቲ መበቶላዊ ናይ ገዛእ ርእሶም ጕልሓት ይዓቕቡዎ። እቶም ክልተ ጐላሕቲ ጥምሮ ድምጺ ናይ'ቲ ቃል ቀዳማውን ዳግማውን ጕልሓት ተባሂሎም ይልለዩ። እቲ ቀዳማዊ ጕልሓት ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይ'ቲ ጥምሮ ቃል ይርከብ፤ እቲ ዳግማዊ ጕልሓት ድማ ኣብ'ቲ ካልኣይ ክፋል ይርከብ።
< engelsk > | /'eŋelsk/ | እንግሊዘኛ |
< lærer > | /'læːrer/ | መምህር |
< engelsk lærer > | /'eŋelsk 'læːrer/ | እንግሊዛዊ መምህር (ወዲ እንግሊዝ መምህር) |
< engelsklærer > | /'eŋelskˌlæːrer/ | መምህር እንግሊዘኛ (ናይ እንግሊዘኛ መምህር) |
ቅኒት ቅላት
ኖርወየኛ፡ ቅኒትን 1ን ቅኒትን 2ን ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ክልተ ዓይነት ናይ ቃል ቅኒት ኣለዎ። ብኣገባብ ቅዲ ቅኒት ገይርካ፡ ንሓደ ዓይነት ቁመና ጽምጺ ዘለዎም ክልተ ቃላት ፈሊኻ ከተለሊ ይከኣ እዩ።
ቅኒት 1፡ | loven | /1loːven/ | እቲ ሕጊ |
ቅኒት 2፡ | låven | /2loːven/ | እቲ ቆልዓ |
ኣብ'ዚ መባእታዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ቅኒት ደጊም ኣይክንገልጽን ኢና፤ እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሰሌዳ ማሕደር ቃላት ናይ ነፍሲ ወከፍ ቃልት ቅኒት ተመልኪቱ ኣሎ።