2 ስርዓት ኣደማምጻ LearnNoW
MENU
2 Uttale
2 ስርዓት ኣደማምጻ
ኖርወያውያን ኣድመጽቲ
ኖርወያዊ ኣልፋቤት ትሽዓተ ኣድመጽቲ ይሓቑጽ።
A, E, I, O, U, Y, Æ, Ø, Å
ምልክታት ኣድመጽቲ ሓጺር ወይ ነዊሕ ድምፊ ከመልክቱ ይኽእሉ። ትሽዓቲኦም ኣድመጽቲ ከም ሓጺር ወይ ነዊሕ ጽምጺ ከይኖም ክኽሰቱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ'ዞም ዝስዕቡ ኣብነታት፡ ክልተ ነጥቡ (ኮሎን) ነዊሕ ኣድማጺ የመልክት። ክልተ ነጥቦ ዘይብሉ ምልክት ድማ ሓጺር ኣድማጺ የመልክት።
መብዛሕቱ ጊዜ፡ ሓደ ኣድማጺ ቅድሚ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ተደመጽቲ ክመጽእ ከሎ ይሓጽር።
<takk> | /'tɑk/ | የቐንየለይ |
<legge> | /'lege/ | ምቕማጥ |
ኣብ ካልእ ኩነታት፡ ከም ልሙድ ኣድማጺ ነዊሕ እዩ።
<ta> | /'tɑː/ | ወሰደ |
<tak> | /'tɑːk/ | ናሕሲ |
<lege> | /'leːge/ | ሓኪም |
ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ ሓጸርትን ነዋሕትን ኣድመጽቲ ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ ኖርወየኛ ገሊኦም ኣድመጽቲ ፊደላት ዝተፈልየ ድምጺ ክውክሉ ይኽእሉ እዮም።
1) ኣብ መብዛሕቶም ቃላት፡ ሓጺር ኣድማጺ < o > ከም < å > እዩ ዝድመጽ፤
<komme> | /'kome/ | መጽአ |
<jobbe> | /'jobe/ | ሰርሐ |
2) ሓጺር < u > ከኣ < o > ክድመጽ ይኽእል እዩ።
<nummer> | /'numer/ | ኣሃዛት |
3) ምስ መብዛሕቶም < e > + r ዝርከቡዎም ቃላት፡ ሓጺርን ነዊሕን < e > ከም < æ > ይድመጹ።
<terminal> | /tærmi'nɑːl/ | ጭንፈር መዋፈሪ |
<er> | /'æːr/ | እየ፡ ኢኻ/ኢኺ/ኢኻትኩም/ኢኻትክን/እዮም/ እየን፡ እዩ |
<her> | /'hæːr/ | ኣብዚ |
4) ምስ ገሊኣቶም ኣገደስቲ ቅላት < e > ከም < i > እዩ ዝድመጽ።
<de> | /'diː/ | ንሳቶም |
ምንጽጻር ኣድመጽቲ ኖርወየኛን ትግርኛን
ኖርወያውያን ፊደላት |
ትግርኛ |
---|---|
a | ከም ኣብ «ሃገር hager» |
e | ከም |
i | ከም |
o | ተዛመድቲ ኣልቦ |
u | ዳርጋ ነቲ ኣብ መወዳእታ "new" ዘሎ ኣድማጺ ዝመሳሰል |
y | ተዛማዲ ኣልቦ |
æ | Like <a> in «bad» |
ø | No equivalent |
å | Like <aw> in «saw» |