1B LearnNoW
Oppslag i bokmålsordboka - skript
MENU
1B Ben
1B Ben
►100%
► 70% ቅሩጽ ድምጺ
- God dag! Jeg heter Benjamin Vidal. Hyggelig å hilse på deg!
እዚ በንያሚን ቪዳል እዩ። ፈረንሳዊ እዩ፤ እንተኾነ ግን ኣብ ኖርወይ እዩ ዝነብር። በዓልቲ ቤቱ ኖርወያዊት እያ። ስማ ሰሲሌ ይበሃል። ክልተ ቆልዑ ኣለዉዎ፤ ኣለክስን ዲናን ዝበሃሉ።
1.2
1.2 ሰላምታ
ምስ ሰባት ሰላምታ ክትለዋወጥ ከለኻ እትጥቀመሎም ዝተፈላለዩ ኣበሃህላታትን ቃላታን ኣለዉ።
Hei ኣዝዩ ልሙድ ዝኾነ ዘይወግዓዊ ኣበሃህላ እዩ። ብሓፈሻ hei ገጽ ንገጽ ክትራኸብ ከለኻ ኢኻ እተዘውትሮ፤ ንመጀመርያ ዝረኸብካዮ፡ ንዘይትፈልጦ ሰብ ሰላም ንምባል'ውን ይዘውተር እዩ። |
Hallo እውን ዘይወግዓውን ልሙድን ዓይነት ሰላምታ እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ተለፎን ክንዛረብ ከለና ኢና እነዘውትሮ፤ ገጽ ንገጽ ክትራኸብ ከለኻ እውን ይዝውተር እዩ። |
God dag (ጽቡቕ መዓልቲ) ብኸፊል ወግዓዊ ኣበሃህላ እዩ፤ መብዛሕቱ ጊዜ፡ ብጹሓት/ዓበይቲ ሰባት ጓኖትን ብዙሕ ዘይፈልጡዎምን ሰላም ንምባል የዘውትርዎ። |