Navigation

  • Skip to Content
NTNU Home

LearnNoW-ti

  • ሓበሬታ
    • እንቋዕ ብደሓን መጻእካ/ኪ
    • ሰሌዳ ትሕዝቶ
    • መምርሂ
    • ድሕረ ባይታ
    • ዝጽዓን
  • 1
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 2
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 3
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 4
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 5
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 6
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 7
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 8
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 9
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 10
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 11
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 12
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • ዝርዝር ቃላት
    • ሰለዳ ዝርዝር ቃላት
    • ዝርዝር ቃላት (a - å)
  1. LearnNoW-ti
  2. 8
  3. ሰዋስው

Språkvelger

8 ሰዋስው LearnNoW

×
  • Alex
  • Ben
  • Cecilie
  • Dina
  • ሰዋስው
  • ስርዓርት ኣደማምጻ
  • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
  • ልምምዳት
  • ዝርዝር ቃላት
  • ወሰኽ
MENU

8 Grammatikk

8 ሰዋስው


ግስታት

ህልው ፍጹም እዋን

ህልው ፍጹም እዋን (ኣብ፡ገዚኡ ኣሎ)፡ ብግሲ å ha (ምህላው)ን ብሕሉፍ ፍጹም ረባሕታ ግስን ይምስርት፤har + kjøpt = har kjøpt።

ንህልው ፍጹም እዋን፡ ኣብ ከም'ዚ ዝስዕብ እዋን ንጥቀመሉ፤

1. ኣብ ዝተፈጸመሉ ጊዜ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሳዕቤናት ናይ ሕሉፍ ኩነት ምስ እነተኵር፡

Jens har vært hjemme hos Alex.
የንስ ኣብ እንዳ ኣለክስ ጸኒሑ። (ሳዕቤን፡ ንስድራቤት ኣለክስ ይፈልጦም እዩ።)


2. ኣብ ሕሉፍ ጊዜ ዝተጀመረ ኩነት፡ ገና ይቕጽል ምዝህሉ።

Ben har vært i Fjordvik i tre måneder.
በን ኣብ ፍዩርቪክ ሰለስተ ወርሒ ገርዩ ኣሎ። ( ገና ኣብ ፍዮርቪክ ኣሎ።)


3. ህሉው እዋን ዘጠቓለለ ውሱን ጊዜ ምስ ዝህልወና፤ ንኣብነት፡i dag (ሎሚ), i år (ዓሚ), alltid (ዘውትር፣ ወትሩ), aldri (ብፍጹም፣ ብጭራሽ):

Hva har du gjort i dag?
እንታይ ክትገብር ውዒልካ ሎሚ?


መስርዕ ኣሰዃኹዓ ቃላት

ምሉእ ሓሳብ ብበዓል ቤት ምስ ዘይጅምር፡ በዓል ቤት ኣብ መንጉ እቶም ግስታት ይሰፍር፡

Hva har du gjort i dag?  እንታይ ክትገብር ውዒልካ ሎሚ?
I dag har Jens vært hos Alex.  ሎሚ፡ የንስ ኣብ እንዳ ኣለክስ ነይሩ።


ከም ብዓል ikke (ኣይፋል)ን også (እዋን፣ ከኣ፣ ድማ) ዝኣመሰሉ ተሳኸ ግሳት፡ ኩሉ ጊዜ ኣብ መንጎ እቶም ግስታት እዮም ዝሰፍሩ።

Hun har ikke gjort leksene i dag.  ዕዮ ገዝኣ ኣይሰርሐትን ዘላ ሎሚ።
I dag har hun ikke gjort leksene.  ሎሚ፡ ዕዮኡ ገዝኣ ኣይሰርሐትን ዘላ።


ሕጋውያን ግስታት፡ ጉጅለ 1-4

ኣብ ታሕቲ፡ ብመሰረት እቶም ኣብ ምዕራፍ 7 ዘቕረብናዮም ኣርባዕት ክፍልታት፡ ረባሕታ ሕጋውያን ግስታት ቀሪቡ ኣሎ።

ጉጅለ 1

ብድሕረ ጥብቆ -et ዝዛዘሙ ግስታት፡

ዘይውሱን å snakke  ምዝራብ å vente  ምጽባይ å lage  ምግባር/ምፍጻም
ሕሉፍ እዋን snakket  ventet  laget 
ህሉእ ፍጹም ጊዜ har snakket  har ventet  har laget 


ጉጅለ 2

ብድሕረ ጥብቆ -t ዝዛዘሙ ግስታት፡

ዘይውሱን å kjøpe  ምግዛእ፣ ምዕዳግ å spise  ምብላ å begynne  ምጅማር
ሕሉፍ እዋን kjøpte  spiste  begynte 
ህሉእ ፍጹም ጊዜ har kjøpt  har spist  har begynt 


ጉጅለ 3

ብድሕረ ጥብቆ -d ዝዛዘሙ ግስታት።

ዘይውሱን å prøve  ምፍታን å greie  ምኽኣል፣ ምውጻእ å leie  ምክራይ
ሕሉፍ እዋን prøvde  greide  leide 
ህሉእ ፍጹም ጊዜ har prøvd  har greid  har leid 


ጉጅለ 4

ብድሕረ ጥብቆ -dd ዝዛዘሙ ግስታት፡

ዘይውሱን å bo  ምንባር፣ ምቕማጥ å bety  ምስማዕ፣ ማለት ምኻን
ሕሉፍ እዋን bodde  betydde 
ህሉእ ፍጹም ጊዜ har bodd  har betydd 


ዘይሕጋውያን ግስታት

ዘይሕጋውያን ግስታት ካልእ መሳርዕ ኣለዎም፡

ዘይውሱን å dra  ምንቃል፣ ምኻድ å drikke  ምስታይ å finne  ምርካብ
ሕሉፍ እዋን dro  drakk  fant 
ህሉእ ፍጹም ጊዜ har dratt  har drukket  har funnet 


ገለ ካብ ዘይሕጋውያን ግስታት

ዘይውሱን   ህሉው እዋን ሕሉፍ እዋን ፍጹም ሕሉፍ
å bli  ከወነ blir  ble  blitt 
å brenne  ነደደ brenner  brant  brent 
å dra  ከደ/ተጓዕዘ drar  dro  dratt 
å drikke  ሰተየ drikker  drakk  drukket 
å dø  ሞተ dør  døde  dødd 
å finne  ረኸበ finner  fant  funnet 
å forstå  ተረድአ forstår  forsto  forstått 
å fortelle  ነገረ forteller  fortalte  fortalt 
å fortsette  ቀጸለ fortsetter  fortsatte  fortsatt 
å få  ረኸበ/ተቐበለ får  fikk  fått 
å gi  ሃበ gir  ga(v)  gitt 
å gjøre  ገበረ gjør  gjorde  gjort 
å gå  ከደ/ተጓዕዘ går  gikk  gått 
å ha  ሓለወ/ ወነነ har  hadde  hatt 
å hete  ተጸውዐ/ ተባህለ heter  het  hett 
å hjelpe  ሓገዘ hjelper  hjalp  hjulpet 
å komme  መጸ kommer  kom  kommet 
å le  ሰሓቐ ler  lo  ledd 
å legge  ኣንበረ/ኣቐመጠ legger  la  lagt 
å ligge  ሓሰወ ligger  lå  ligget 
å møte  ተኸበ møter  møtte  møtt 
å se  ረኣየ ser  så  sett 
å selge  ሸየጠ selger  solgte  solgt 
å sette  ኣንበረ/ኣቐመጠ setter  satte  satt 
å si  በለ sier  sa  sagt 
å sitte  ኮፍ በለ sitter  satt  sittet 
å skrive  ጸሓፈ skriver  skrev  skrevet 
å sove  ደቀሰ sover  sov  sovet 
å spørre  ሓተተ spør  spurte  spurt 
å stå  ደው በለ står  sto(d)  stått 
å synge  ዘመረ/ደረፈ synger  sang  sunget 
å ta  ወሰደ tar  tok  tatt 
å treffe  ረኸበ/ሃረመ treffer  traff  truffet 
å velge  መረጸ velger  valgte  valgt 
å vite  ፈለጠ vet  visste  visst 
å være  ከወነ/ሃለወ er  var  vært 


ሓገዝቲ ግስታት

ዘይውሱን   ህሉው እዋን ሕሉፍ እዋን ፍጹም ሕሉፍ
å skulle  ክኸውን ይግባእ skal  skulle  skullet 
å ville  ክኸውን እዩ vil  ville  villet 
å kunne  ክኸውን ይኽእል kan  kunne  kunnet 
å måtte  ክኸውን ኣለዎ må  måtte  måttet 
å burde  ክኸውን ነይሩዎ bør  burde  burdet 


መጻኢ እዋን

ኣብ ምዕራፍ 3፡ መጻኢ እዋን ብ skal + infinitive ክግለጽ ከምዝኽእል ተማሂርና ነይርና። እዚ ዓይነት መሳርዕ መጻኢ ተግባር ርዱእ ምኻኑ የተንብህ።

Jeg skal reise til Oslo på torsdag.  ንኦስሎ ክኸይድ እየ ሓሙስ።


መጻኢ ዘተንብህ ሓሳብ እንተዘየለ ግን፡ መብዛሕቱ እዋን komme til + infinitive (ምስ å) ንጥቀም።

Det kommer til å bli overskyet i dag.  ደመና ክኸውን እዩ ሎሚ።
Du kommer til å like skolen.  እቲ ትምህርቲ ክትፈትዎ ኢኻ።

ቅጽላት

ኣብ ምዕራፍ 5ን ምዕራፍ 6ን ከምዝረኣናዮ፡ ቅጽላት ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ቦታታት ይስኳዕ፡

ከም ንዘይውሱናት ኣስማት ዘመልክቱ ገለጽቲ መሳርዓት፡ en stor bil 
ከም ኣብ ድሕሪ å være (ናይ ምዃን፣ ምህላው) ዝኣመሰሉ ግስታት ዝመጹ ትንቢታውያን መሳርዓት፡ bilen er stor 


ኣብ en stor bil፡ ቅጽል፡ ኣብ ቅድሚ ዘይውሱን መሳርዕ ዘለዎ ስም ሰፊሩ ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ ገለጽቲ ቅጽላት ንውሱን መሳርዕ ዘለዎም ኣስማት'ውን (ኣንብነት፡ እታ ዓባይ ማኪና) ክገልጹ ይኽእሉ እዮም። ኣብ'ዚ ኩነት፡ (ልክዕ ከም ኣብ መሳርዕ ረባሕታ ብዙሕ) እቶም ቅጽላት ብ-e ይዛዘሙ።

ብተወሳኺ፡ ቅጽላት፡ ውሱን ዝመሳርዖም ከም den፡ det ን de ን ዝኣመሰሉ ኣመልከቲ ምስ ስም ብጾታን ቁጽር ክሰማምዕ የገድድ፡den + store + bilen = den store bilen (እታ ዓባይ ማኪና)።

እቲ ድርብ ውሱንነት ተባሂሉ ዝፍለጽ መሳርዕ ፍሉይ እዩ። ኣብ ኖርወየኛ፡ ውሱን መሳርዕ ክልተ ጊዜ ይምልከት፡ መጀመርያ ብውሱን ኣመልካቲ ስም (den, det, de)፡ ድሓር ከኣ፡ ብውሱን መሳርዕ ስም (bilen)።

ንጽል     ብዙሕ
ተባዕታይ ኣንስታይ ኣጕል  
en stor bil  ei stor lue  et stort bord  store biler/luer/bord 
ዓባይ ማኪና ዓቢይ ኩባያ ዓቢይ ጣውላ ዓበይቲ መካይን/ኩባያታት/ ጣዋሉ
den store bilen  den store lua  det store bordet  de store bilene/luene/bordene 
እታ ዓባይ ማኪና እቲ ዓቢይ ኩባያ እቲ ዓቢይ ጣውላ እተን ዓበይቲ ማካይን/ኩባያታት/ ጠዋሉ


ነቲ ዘይሕጋዊ ቅዲ ናይ liten (ንእሽቶ) ኣስተውዕለሉ፡

ንጽል     ብዙሕ
ተባዕታይ ኣንስታይ ኣጕል  
en liten bil  ei lita lue  et lite skjerf  små biler/luer/skjerf 
ንሽቶ መኪና ንሽቶ ኩባያ ንሽቶ ሻርባ ንኣሽቱ መካይን/ኩባያታት/ ሻርባታት
den lille bilen  den lille lua  det lille skjerfet  de små bilene/luene/skjerfene 
እታ ንእሽቶ ማኪና እታ ንእሽቶ ኩባያ እታ ንእሽቶ ሻርባ እተን ንኣሽቱ መካይን/ኩባያታት/ሻባታት

መሳርዕ ኣሰዃኹዓ ቃላት

ኣብ ኖርወየኛ ክልተ ዓይነት ሓረጋት ኣለዉ፡ ቀንዲ ሓረግን ተጸጋዒ ሓረግን።

1. ቅንዲ ሓረግ

ቀንዲ ሓረግ ርእሱ ዝኸኣለ ምሉእ ሓሳብ እዩ። ግሲ (ውሱን ዝቕርጹ ግሲ) ካልኣይ ኣሃዱ ናይ'ዚ ሓረግ እዩ፤ ብጀካ ኣብ እቶም ሓተትቲ ቅላት ዘይብሎም፡ ንግሲ ኣብ ቀደማይ ቦታት ብምምጻእ ዝምስረቱ ናይ ሕቶ ሓረጋት።

De bor i Fjordvik. 
Hvor jobber han? 
Går han på norskkurs? 


ከም ikke (ኣይፋል፡ ኣይኮነን) ዝኣመሰሉ ተውሳኸ ግስታት፡ ብድሕሪ ግሲ ይሰፍሩ፡

Dina kommer ikke fra England. 
Alex går ikke på skolen. 
Ben snakker ikke tysk. 


መስተጻምራት og ን (ን፣ ከኣ፣ እውን) men ን (ግን) ንቀንዲ ሓረግ ይኸፍቱ።

Dina bor i Fjordvik, og hun går på skolen. 
Alex liker ikke norsk ost, men han liker fransk ost. 


2. ተጸጋዒ ሓረግ

ተጸጋዒ ሓረግ ርእሱ ዘይከኣለ ሓሳብ እዩ። ብሓፈሻ፡ ክፋል ናይ ቀንዲ ሓረግ እዩ።

ተጸጋዒ ሓረግ፡ ከም ቅቡል፡ ብተጸጋዊ መስተጻምር ይጅምር። ኣብ ምዕራብ 8 ሰለስተ ካብኣቶም ቀሪቦምልካ ኣለዉ፡

fordi  ምኽንያቱ፣ ስለ
at  ከም
om  እንተ ደኣ፣ እንተ


ነቲ ኣጸጋዒ መስተጻምር፡ በዓል ቤትን ግስን ይኽተሉዎ።

Norsk er vanskelig for meg  fordi  jeg har bodd i Frankrike. 
Mamma sier  at  jeg må øve på å skrive norsk. 
Tone spør  om  Dina liker seg på skolen. 


ከም ikke (ኣይፋል) ዝኣመሰሉ ተውሳኸ ግሳት፡ ኣብ ቅድሚ ግሲ ይሰፍሩ።

Dina sier  at  de ikke har mange lekser i Norge. 


ተጸጋዒ ሓረግ፡ ቀዳምይ ክፋል ናይ ቅንዲ ሓረግ ኰይኑ ክመጽእ'ውን ይኽእል እዩ።

Norsk er vanskelig for meg fordi jeg har bodd i Frankrike.  ኖርወየኛ ከቢድ እዩ ንዓይ፡ኣብ ፈረንሳይ እነብር ሰለ ዝነበርኩ።
Fordi jeg har bodd i Frankrike, er norsk vanskelig for meg.  ኣብ ፈረንሳይ እነብር ስለ ዝነበርኩ፡ ኖርወየኛ ከቢድ እዩ ንዓይ።


ብዛዕባ ቅንዲ ሓረግን ጽግዕተኛ ሓረግን፡ ኣብ ምዕራፍ 9፡ ተወሳኺ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

Editorial responsibility | Use of cookies | Privacy policy
Sign In