Navigasjon

  • Hopp til innhold
NTNU Hjemmeside

LearnNoW-ti

  • ሓበሬታ
    • እንቋዕ ብደሓን መጻእካ/ኪ
    • ሰሌዳ ትሕዝቶ
    • መምርሂ
    • ድሕረ ባይታ
    • ዝጽዓን
  • 1
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 2
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 3
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 4
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 5
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 6
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 7
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 8
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 9
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 10
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 11
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • 12
    • Alex
    • Ben
    • Cecilie
    • Dina
    • ሰዋስው
    • ስርዓርት ኣደማምጻ
    • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
    • ልምምዳት
    • ዝርዝር ቃላት
    • ወሰኽ
  • ዝርዝር ቃላት
    • ሰለዳ ዝርዝር ቃላት
    • ዝርዝር ቃላት (a - å)
  1. LearnNoW-ti
  2. 5
  3. ሰዋስው

Språkvelger

5 ሰዋስው LearnNoW

×
  • Alex
  • Ben
  • Cecilie
  • Dina
  • ሰዋስው
  • ስርዓርት ኣደማምጻ
  • ናይ ምስማዕ ልምምዳት
  • ልምምዳት
  • ዝርዝር ቃላት
  • ወሰኽ
MENY

5 Grammatikk

5 ሰዋስው


ክንደ ኣስማት

ተንጸባረቕቲ ክንደ ኣስማት

ተንጸባራቒ ክንዲ ኣስማት ምስ ተሰሓቢ ክንደ ኣስማት ሓደ እዮም (ምዕራፍ 3 ተወከስ)፤ ነቶም ምስ seg ዝጥቀሙ ክንደ ኣስማት ham, henne, dem ገዲፍካ።

1. Jeg vasker meg. ባዕለይ
2. Du vasker deg. ባዕልኻ/ባዕልኺ
3. Han vasker seg. ባዕሉ
  Hun vasker seg. ባዕላ
  Det/Den vasker seg. ባዕሉ/ባዕላ
1. Vi vasker oss. ባዕልና
2. Dere vasker dere. ባዕልኹም/ባዕልኽን
3. De vasker seg. ባዕላቶም/ባዕላተን


በዓል ቤትን ተሰሓባይን ናይ ሓደ ምሉእ ሓሳብ ሓደ ሰብ ምስ ዝኸውን፡ ተንጸባራቒ ክንደ ኣስማት ንጥቀም። በዓልቤት ነቲ ተግባር ኣብ ገዛዕ ባዕሉ ማለት ባዕሉ ንባዕሉ ይፍጽሞ ከምዘሎ ይመልክት፤ ብኣንጻሩ፡ ሓደ ተሰሓቢ ቅዲ ዘለዎ ክንደ ስም፡ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣካል ከም ዝተፈጸመ የስምዕ። ኣብዞም ዝስዕቡ ምሉእ ሓረጋት ዘሎ ፍልልያት ኣስተዕል፤

Han vasker seg. ንሱ ባዕሉ ይሕጸብ ኣሎ።
Han vasker ham. ንሱ ንኣዓኡ ይሓጽቦ ኣሎ። ( ንኣ. ንወዱ)


ተንጸባራቒ ግስታት

ወላኳ መጐታዊ እንተ ዘይመሰለ፡ ገሊኦም ግስታት ምስ ተንጸባራቒ ክንደ ስም እዮም ዝዝውተሩ፡

Tone setter seg i stolen. ቱነ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ።


ገለ ካብቶም ዝውቱራት ተንጸባረቕቲ ግስታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

å sette seg ኮፍ በለ
å ha med seg ኣምጽአ
å glede seg til ትሓንጠየ
å skynde seg ተሃወኸ
å kose seg ጽቡቕ ጊዜ ኣሕለፈ
å tørke seg ገዛእ ርእሱ ኣንቀጸ
å kle på seg ክዳኑ ተኸድነ
å barbere seg ተላጸየ
å komme seg ut ተሃዊኹ ወጸ (ቀልጢፉ ወጸ)

ቅጽላት

መብዛሕቶም ቅጽላት -t ምስ ኣጕል፡ -e ከኣ ምስ ረባሕታ ብዙሕ ይወስዱ፤

ቅደሚ ኣስማት ዝሰፍሩ

ኣብ ታሕቲ፡ እቶም ቅጽላት ኣብ ቅድሚ እቲ ዝገልጽዎ ስም ሰፊሮም ይረኣዩ።

ንጽል     ብዙሕ
ተባዕታይ ኣንስታይ ኣጕል  
en brun stol ei brun seng et brunt bord brune stoler/senger/bord
ቡናዊ መንበር ቡናዊ ዓራት ቡናዊ ጣውላ ቡናውያን መናብር/ዓራውቲ/ ጣዋሉ


ድሕሪ ግሲ ዝሰፍሩ

ኣብ ታሕቲ፡ እቶም ቅጽላት ምስ ኣስማት ብእንትናዊ ግሲ er (እየ፣ እዩ፣ ኢና ዝኣመሰሉ) - ህሉው ረባሕታ ናይ ምህላው ወይ ምኻን ግሲ- ይተሓሓዙ፤

ንጽል     ብዙሕ
ተባዕታይ ኣንስታይ ኣጕል  
Stolen er brun. Senga er brun. Bordet er brunt. Stolene/sengene/bordene er brune.
እቲ መንበር ቡናዊ እዩ። እቲ ዓራት ቡናዊ እዩ። እቲ ጣውላ ቡናዊ እዩ። እቶም መናብር/ዓራውቲ/ጣዋሉ ሓመዳውያን እዮም።

ተውሳኸ ግሲ

ምንቕስቓስ

ገሊኣቶም ተውሳኸ ግሲ፡ ክልተ ቅድታት ማለት፡ ሓደ ተንቀሳቓሲ ሓደ ኸኣ ንቐዋሚ ኩነት ዘመልክቱ ኣለዎም፤

ተንቀሳቛሲ   ቀዋሚ  
Han går inn. ውሽጢ Han er inne. ኣብ ውሽጢ
Han går ut. ደገ Han er ute. ኣብ ደገ/ወጻኢ
Han går opp i andre etasje. ልዕሊ Han er oppe. ኣብ ላዕሊ/ ልዕሊ ገዛ
Han går ned i første etasje. ትሕቲ Han er nede. ኣብ ታሕቲ/ ትሕቲ ገዛ
Han går hjem. ገዛ Han er hjemme. ገዛ


ክልተ ቅድታት ናይ ኣብዝን ን ኣብትን ከምዘለዉ ከኣ ኣስተውዕል፤

ተንቀሳቓሲ   ቀዋሚ  
Han kommer hit. ናብዚ Han er her. ኣብዚ
Han går dit. ናብቲ Han er der. ኣብዚ

መስተዋድድ

መስተዋድድ ቦታ

ተወሳኺ መግለጺ ብዛዕባ ምስ ቦታ ዝዝውተሩ መስተዋድዳት

Bak (ድሕሪ), foran (ቅድሚ ), i (ኣብ), på (ኣብ), over (ኣብ ልዕሊ), under (ኣብ ትሕቲ) and ved siden av (ኣብ ጎኒ፡ ኣብ ጥቓ) ምስ ቦታ እንጥቀመሎም ቀንዲ መስተዋድዳት እዮም

ኣብ'ዚ ዝስዕብ፡ ነቲ ኣብ መንጎ i ን på ን ዘሎ ፍልልያ ኣዕሪና ክርምርምሮ ኢና፤ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ናይ ክልተ ካልኦት መስተዋድዳት፡ til (to) ን hos (at) ን፡ ፍልልያት ክንገልጽ ኢና።

I

መስተዋድድ i ኣብ ውሽጢ ገለነግር፣ ብዶብ ወይ መንደቕ ኣብ ዝተኸለለ ቦታ ንዝተነብረ ነገር ንምግልጽ ንጥቀመሉ፤

Klærne ligger i skapet. እቲ ክዳውንቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣርማድዮ ኣሎ።
Sofaen er i stua. እቲ መንገር ኣብ'ቲ ሳሎን ኣሎ።


መስተዋድድ i ምስ እዞም ዝስዕቡ ኣምር ቦታ'ውን እውን ንጥቀመለኡ

ኣህጉራት i Europa, i Asia
ኣድታትን ሃገራት i Norge, i Kina, i Texas
ከተማታት i Trondheim, i Oslo, i Beijing
ኣስማት ጽርግያታትን/ ኣድራሻን i Karl Johans gate, i Drammensveien 1


På

መብዛሕቱ ጊዜ på ሓደ ነገር ኣብ ልዕሊ ገለነገር ተነቢሩ ወይ ተቐሚጡ ምሕላዉ ንምግላጽ ኢና ንጥቀመሉ፤

Boka ligger på bordet. እቲ መጽሓፍ ኣብ (ልዕሊ) ጣውላ ኣሎ።


ን på ምስ እዞም ዝስዕቡ ቦታታት'ውን ንጥቀመሉ፤

på skolen ኣብ ቤት ትምህርቲ
på kino, teater ኣብ ቺነማ፣ ኣብ ትያትር
på restaurant, kafé ኣብ ቤት ምግቢ፣ ኣብ እንዳ ቡን
på biblioteket ኣብ ቤተ ንባብ
på jobb/arbeid ኣብ ስራሕ
på (ved) universitetet ኣብ ዩኒቨርሲቲ


In ምስ እዞም ዝስዕቡ ቦታታት ንጥቀመሉ፣

på/i butikken ኣብ ድኳን/ሹቕ
på/i kjøkkenet, stua ኣብ ክሽነ፣ ሳሎን
på/i badet, soverommet ኣብ ቤት መደቀሲ፣ ኣብ ሽቓቅ


På ምስ እዞም ዝስዕቡ ኣምር ቦት'ውን ንጥቀመሉ፤

ደሴታት፡ ደሴታት፡ ኣብ ግረንላን (እታ ደሴት ሃገር ምስ እትኸውን ግን i ንጥቀም፤ ንኣብነት i Irland፡ ኣብ ኣየርላንድ። ምስ ገለ ዓድታት ግን ክልቲኦም på/i ክንጥቀም ንኽእል፤ på/i Sri Lanka፡ ኣብ ስሪላንካ።)
ምስ ብዙሓት ደሴታት ዝኾና ከትማታ ኖርወይ፤ på Røros, på Lillehammer
ብዙሓት ክፍልታት ከተማ på Grorud, på Sinsen, på Frogner


መብዛሕቱ ግዜ፡ ኣጠቓቕማ i ን på ን ምስ መብዛሕቱ ኣስማት ቦታታት ኖርወይ፡ ንኽትገልጾ ኣጸጋሚ እዩ። መብዛሕቱ ጊዜ ቅርጺን ኣቐማምጣን ቦታታት ውይ'ውን እቶም ኣስማት ባዕላቶም ኣየናይ መስተዋድድ ከም እንጥቀም ይውስኑ፤ እንተኾነ ግን ብዙሓት ሕገ ኣልቦን ዞባዊ ፍልልያትን እውን ኣለዉ።

Til

Til ኣዝዩ ዝውቱር ዝኾነ፡ ናብ ሓደ ቦታ ገጽካ ምንቕስቓ ዘስምዕ መስተዋድድ እዩ፤

Ben går til kantina. በን ናብ ቤት ምግቢ ይኸይድ።
Skal du dra til Fjordvik i dag? ናብ ፍዩርቪክ ክትከይድ ዲኻ ሎሚ፧


መብዛሕቱ ጊዜ፡ i ወይ på ናብ ብዙሓት ክፍልታት ዘለዎ ቤትን መንግስታውያን ሕንጻታትን ገጽካ ምንቅስቓስ ንክንገልጽ ከም እንጥቀመሉ'ውን ኣስተውዕል።

Dina går på badet. ዲና ናብ ሽቛቕ ትኸይድ።
Cecilie går i operaen. ሰሲልየ ናብ ኦፐራ ትኸይድ።
Skal vi gå på kafé? ናይ እንዳ ቡን'ዶ ንኺድ?


Hos

Hos ምስ ኣስማት ናይ ሰባት 'ናብ ገዝኦም ምኻድ ወይ ምብጻሕ' ከነስምዕ ንጥቀመሉ። ብትግርኛ 'እንዳ እከለ' ንብል፤

De tar en kaffe hos Cecilie. እንዳ ሰሲልየ ቡን ሰቲና።
Så fint det er hos deg, Dina! ኣብ ገዛኺ ምዃን ክንደይ ደስ ይብል፡ ዲና!


ብዛዕባ ግሊኣቶም ሞያውያን ናይ ስራሕ ቦታታት ክንዛረብ ከለና'ውን hos ንጥቀም።

Jeg er hos legen. እንዳ ሓኪም ኣለኹ።


ምንቅስቓስ ክንገልጽ til ንጥቅመ፤

Anne går på besøk til Cecilie. ኣንነ ናብ ሰሲልየ ንምብጻሕ ትኸይድ።
Jeg må dra til legen. ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣሎኒ።
Ansvarlig redaktør | Bruk av informasjonskapsler | Personvern
Logg inn